Wednesday, March 7, 2012
" ፍቕሪ ውሃ ጠለፋ......"
እዋኑ መፈለምታ 1990ትት ዓ/ም አቆፃፅራ ሓበሻ ቦትኡ ድማ ካብ ከተማ ውቅሮ ን አንፈት ምብራቕ ካብ በተ-ክርስትያን እንዳ ጨርቆስ ከባቢ 3 ኪሎ ሜትሮ ምስ ተጉዓዝካ " ማይ ዓይኒ" አብ ዝበሃል ቦታ
እቱ ነገር ከምዙይ እዩ:: ሓደ ካብ ከባቢ እንዳ ጋብር ዶንጎሎ (መንገዲ ኣብርሃ ወ ኣፅብሃ) ናብ ማይ ዓይኒ ግድብ ን ኽሰርሑ ተኣዚዞም ዝወፈሩ በዓል ሓዳር ገባር አብ ልዕሊ ሓዳሮም ብ ፍቕሪ ጣዕ ምስ ዝበሉላ "ሓያም" አብቱ ወፍሪ ጎፍ ን ጎፍ ይራኽቡ :: ነገር ፍቅሪ ስብኣይ ብ ድንጋፅ ልቡ አብ ክልተ ክትጭደድ ትብል:: ሰበይቲ ዉን ሕዱር ፍቕሪ ግዲ ነይርዋ ቀባሕባሕ እናበለት ክትሪኦም ጀመረት:: ስብኣይ አየኽኣሎምን ሰጋእ መጋእ እናበሉ " እሞ ንኺድ እምበይ ግልስ ኢልና ናይ ልብና ክነውግዕ " ይብሉ :: ሰበይቲ ዉን አይተጎባጎበትን " ዋእእእ....እሺ ዋላ " ኢላ ድሕሪ ምምላስ ተመራሪሖም ካብቲ ከባቢ አግለሱ
ኣይተ የሺጥላ አብቲ እዋን አብ ከተማ ውቅሮ ቢሮ ሕርሻን ገጠር ልምዓትን (ግብርና) ሰራሕተኛ እዮም ንይሮም:: አብታ ዕለት ድማ መተሓባበሪ እቱ ወፍሪ:: አብታ እዞም ፈቃር ስብኣይ ዝነበርዋ ጉጅለ ሰባት ከም ዝጎደልዋ ድሕሪ ምዕዛብ " ኣይተ እከለ ደኣ ናበይ ከይዶም ? ዋእ! ወይዘሮ እከለ ኽ ? " ሕቶ አቅረቡ :: " ደሓን....." ኢሎም ብ ሕርቃን ንቶም ብ ፍቕሪ ዓለሞም ዝሪኡ ክልተ ልምዓታዊ ፍቑራት ናብ ምእላሽ አተው::
ድሕሪ ቁሩብ አለሻ ኣይተ የሺጥላ ናብ ሓደ ግልስ ዝበለ ቦታ እንትስጉሙ ፍቑራት " ኣርግ-ኣርጎ" ተዋዲቖም በጠቕ ይበሃሉ....እዋይ ጉድ.....አይተ የሺጥላ ዝረኣይዎ ምእማን አብይዎም ሰንቢዶም ከዱ::
ድሕሪ ሰሙን ኣብቲ ከባቢ ሓደ ደርፊ ፍቖዶ ጋይላ ክድረፍ ጀመረ;: ከምዚ ድማ ይብል
" ዓይነይ ትፍሰስ ውቃበይ ትደሃል..የ
ገዲምስ የኸድይ ማይ ዓይኒ ልበሃል...የ
የሺጥላ አግንዩኒ ሃሪሰ ኽለዓል...የ "
ሳሙኤል ኢታይ
07-03-2012
Subscribe to:
Posts (Atom)